Eksamen: PSP6010 | Semester: Vår 2023 | Varighet: 5 timer
Vekting: Lesing ca. 25 % | Skriving ca. 75 %
ኣብ ከባቢና ንመንእሰያት ዝኸውን ገለ ናይ መዘናግዒ ዕድላት ኣለው። ንኣብነት ናይ ኵዕሶ እግሪ ሜዳ፡ ቤት ንባብን ናይ መንእሰያት ማእከልን ኣለው። ኣብ ናይ መንእሰያት ማእከል ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ከም ሙዚቃ፡ ስነ-ጥበብን ናይ ኮምፒተር ኮርስን ይወሃብ።
ይኹን ደኣ'ምበር ኣብ ከባቢና ናይ ምሕንባስ ገንዳን ናይ ውሽጢ ገዛ ስፖርት ኣዳራሽን ስለዘየለ መንእሰያት ብፍላይ ኣብ ክረምቲ ዝገብርዎ ንጥፈት ይስእኑ።
መንእሰያት ድምጾም ንኽስማዕ እቲ ዝቐልል መንገዲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብምጽሓፍ ወይ ኣብ ናይ ኮሙነ ኣኼባታት ብምስታፍ ድልየቶም ክገልጹ ይኽእሉ።
ኣብዚ ጉዳይ ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ምህላዎም ንቡር እዩ። ኣነ ብወገነይ ምስቲ ሳልሳይ ሰብ ዝያዳ ይሰማማዕ ምኽንያቱ ንኽልቲኡ ወገን ኣብ ግምት ዘእተወ ሓሳብ ስለዘቕረበ።
እቲ ቀዳማይ ሰብ ንደቁ ናይ ስፖርት ሜዳ ከምዘድልዮም ብምግላጽ ቅኑዕ ነጥቢ ኣልዒሉ ኣሎ። ቆልዑ ብዙሕ ግዜኦም ኣብ ኮምፒተር ምሕላፎም ንጥዕንኦም ጽቡቕ ኣይኮነን። ይኹን ደኣ'ምበር እቲ ካልኣይ ሰብ ዘልዓሎ ነጥቢ'ውን ኣገዳሲ እዩ። እቲ ጫካ ንሽማግለታትን ንነበርቲ'ቲ ከባቢን ኣገዳሲ ናይ ዙረት ቦታ ስለዝኾነ ምዕቃቡ ይግባእ።
ከም ኣማራጺ ፍታሕ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ካልእ ናይ ኵዕሶ ሜዳ ምጥቃም ወይ ኣብ ካልእ ቦታ ሓድሽ ሜዳ ምህናጽ ይካኣል። በዚ መንገዲ ንደቂ'ቲ ከባቢ ናይ ስፖርት ዕድል ክፍጠር ከሎ እቲ ጫካ'ውን ይዕቀብ። ኣግራብ ምቑራጽ ንኣከባቢ ጽቡቕ ስለዘይኮነ ካልእ ፍታሕ ምድላይ ናይ ኵሉ ሓላፍነት እዩ።
ዝኸበርካ ሚኪኤል ኣዶናይ፡
ሰላም! ስመይ ሳራ ይበሃል ካብ ኖርወይ ድማ እጽሕፈልካ ኣለኹ። ኣነ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ኣብ ስነ-ጥበብ ኣዝየ ዝግደስ ሰብ እየ። ኣብ ቤት ትምህርተይ ናይ ስእሊ ክፍሊ ኣቲየ ዝተፈላለዩ ናይ ስእሊ ቴክኒካት ይመሃር ኣለኹ። ኣብ መጻኢ ድማ ኣብ ዓውዲ ስነ-ጥበብ ክሰርሕ ባህገይ እዩ።
ስእልታትካ ምስ ርኣኹ ኣዝየ ተመሲጠ። ብፍላይ እቲ ናይ ሕብርታት ኣጠቓቕማኻን ናይ ኤርትራ ባህልን ተፈጥሮን ኣብ ስእልታትካ ዝንጸባረቕ ጽባቐን ኣዝዩ ማራኺ እዩ። ስእልታትካ ስምዒት ናፍቖትን ሓበንን ይፈጥሩ።
ገለ ሕቶታት ክሓተካ ይፈቱ፡
1. ስእሊ ክትስእል ካብ መዓስ ጀሚርካ፡ መን ድዩ ዝያዳ ጽልዋ ዝገበረልካ?
2. ንሓደ ስእሊ ንኽትውድኦ ክንደይ ግዜ ይወስደልካ?
3. ንሓደ መንእሰይ ስነ-ጥበበኛ ክኸውን ዝደልይ ሰብ እንታይ ምኽሪ ትህቦ?
መልስኻ ብሃንቀውታ እጽበይ!
ምስ ኣኽብሮት፡
ሳራ
| Begrep | Beskrivelse |
|---|---|
| ሕንጸ | ኣዝዩ ኣጸጋምን ኣድካምን ስራሕ (tungt og krevende arbeid) |
| ደብዳበ/ኢ-መይል | እተደልዮ ሓሳብ ወኪሉ ዝልኣኽ መልእኽቲ (budskap sendt på vegne av en tanke) |
| ኣይሮፕላን | ዘመናዊ መጓዓዝያ (moderne transport) |
| ሬድዮ፡ጋዜጣ፡ቲቪ | ፍጻሜታት ዝዝርግሕ ሓባራዊ መራኸቢ ብዙሃን (tradisjonelle massemedier) |
| ፈይስ-ቡክ፡ኢንስታግራም፡ስናፕ-ቻት | ዘመናዊ ውልቃውን ካልእ ፍጻመታትን ዝዝርግሕ ማሕብራዊ መራኸቢ (sosiale medier) |
| ሓጓዳይ | ዘይተኣደነ ግዜን ጉልበትን ዝሓትት ስራሕ (arbeid som krever ubegrenset tid/energi) |
| መደረ | መራሒ ሃገር ወይ ካልእ በዓል ስልጣን ዝህቦ ወግዓዊ ዘረባ (offisiell tale) |
| ብትግሃትን ቅንዕናን ምስራሕ | ፍረ-ጻማኻ ትረኸብሉ (du får lønnen din) |
| ምህዞ | ሓድሽ ነገር ምፍጣር (skape noe nytt) |
| ሰታሪት | ኣብ ጡጥ እንረኽቦ ጸሊም ፍረ (svart frukt i bomull) |
ብዙሕ ቋንቋ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምምሃር ኣገዳሲ ድዩ ወይስ ኣይኮነን ዝብል ኣርእስቲ ኣብዚ እዋን ብዙሕ ዝዝረበሉ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ። ኣነ ብወገነይ ንኽልቲኡ ወገን ዝድግፉ ሓሳባት ከቕርብ ክፍትን።
ቋንቋታት ምምሃር ብዙሕ ጥቕምታት ኣለዎ። ቀዳማይ ሓደስቲ ቋንቋታት ምፍላጥ ምስ ዝተፈላለዩ ባህልታትን ሰባትን ንኽትራኸብ ዕድል ይኸፍተልካ። ኣብ ዓለምና ብዙሕ ሃገራት ስለዘሎ ቋንቋ ምፍላጥ ንስራሕ ይኹን ንግዕዞ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ካልኣይ ቋንቋ ምምሃር ንሓንጎልካ ከም ዘስፍሕን ናይ ምሕሳብ ክእለትካ ከም ዘማዕብልን ተመራመርቲ ይሕብሩ። ሳልሳይ ኣብ ኖርወይ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝመጹ ሰባት ስለዝነብሩ ቋንቋኦም ምፍላጥ ንምትሕግጋዝን ምርድዳእን ይሕግዝ።
ብኣንጻር'ዚ ግና ዝያዳ ቋንቋ ምምሃር ጸገማት'ውን ኣለዎ። ቀዳማይ ተማሃሮ ድሮ ብዙሕ ትምህርታት ስለዘለዎም ተወሳኺ ቋንቋ ንጸቕጢ ትምህርቲ ከም ዝውስኽ ይኽእል። ብዙሓት ተማሃሮ ብንቡር ኣብ ኖርስክን እንግሊዝን ኣድቂቖም ክመሃሩ ኣለዎም ስለዚ ሳልሳይ ቋንቋ ምውሳኽ ንገሊኦም ከቢድ ክኸውን ይኽእል። ካልኣይ ኵሉ ቆልዓ ማዕረ ናይ ቋንቋ ተውህቦ ስለዘይብሉ ገሊኦም ክጽገሙ ይኽእሉ። ሳልሳይ ኣብ ክንዲ ብዙሕ ቋንቋ ምምሃር ዝያዳ ኣብ ሂሳብ፡ ሳይንስ ወይ ተክኖሎጂ ምትኳር ዝበለጸ ክኸውን ይኽእል ዝብሉ'ውን ኣለው።
ብመደምደምታ ቋንቋ ምምሃር ብዙሕ ጥቕሚ ዘለዎ ምዃኑ ርዱእ እዩ፡ ይኹን ደኣ'ምበር ንደቂ ቆልዑ ብዘይ ዝያዳ ጸቕጢ ክመሃሩ ዝኽእሉ ኣገባብ ክድለ ኣለዎ። ቋንቋ ብጸወታን ባህልን ተተሓሒዙ ክምህሩ ምስ ዝኽእሉ ንተማሃሮ ደስ ዘብልን ኣድማዒን ክኸውን ይኽእል።