Eksamen: PSP6010 | Semester: Høst 2024 | Varighet: 5 timer
Vekting: Lesing ca. 25 % | Skriving ca. 75 %
| Instrument | Beskrivelse |
|---|---|
| ከበሮ (tromme) | ኣብ ጓይላን ኣብ ቤተ ክርስትያንን ዲም ዝብል ድምጺ ዚህብ፡ ላዕለዋይን ታሕተዋይን ወገኑ ብቖርበት ተገኒው እተሸፈነ ኣቕሓ፡ ነጋሪት። (instrument dekket med skinn som gir dyp lyd ved fester og i kirken) |
| በገና (begena) | ኣብ ቤተ ክርስትያን ዚቃነ፡ ንኽራር ዝመስል ዓብዪ ባህላዊ ናይ ኣውታር መሳርሒ ሙዚቓ። (stort strengeinstrument brukt i kirken, ligner gitar) |
| ጭራ ዋጣ (chira wata) | ብዓል ሓንቲ ኣውታር ካብ ጸጕሪ ጭራ ፈረስ ኣውታር ዝግበረላ ባህላዊት መሳርሒ ሙዚቓ። (tradisjonelt instrument med en streng laget av hestehalehår) |
| እምብልታ (embilta) | ኣብ ባህላዊ ጸወታ ትግርኛ ዝዝውተር... ካብ ሓጺን ዝተሰርሓ ነዊሕ ሻንብቆ ናይ ንፋስ መሳርሒ ሙዚቓ። (langt jernrør-blåseinstrument brukt i tradisjonell dans) |
| መለኸት (meleket) | ነዊሕ ቅርጺ ዘለዎ ብሻንብቆ እተሰርሐ፡ ብኣፍ እናተነፍሐ ብርቱዕ ድምጺ ዝህብ ኣብ መርዓ ቀብርን ኣዋጅን ዘገልግል... (langt blåseinstrument brukt ved bryllup, begravelser og kunngjøringer) |
ሎሚ ኣዝየ ሕጉስ እየ! ክልተ ናጻ ቲኬት ናይ ኣብ ዓለም ብብዝሒ ዝፍለጥ ደራፊ ኤድ ሸራን ረኺበ ኣለኹ። ነዘን ቲኬታት ኣብ ሬድዮ ብዝተገብረ ውድድር ብምስታፍ ብዕድል ዓቲረየን። ኤድ ሸራን ካብ ንእስነተይ ጀሚሩ ኣዝየ ዝፈትዎ ደራፊ እዩ ምኽንያቱ ደርፍታቱ ስምዒታዊን ቃላቱ ንልቢ ዝትንክፉን ስለዝኾኑ።
እታ ኮንሰርት ኣብ ለንደን ክትግበር እያ ኣነ ድማ ንሓወይ ዳዊት ሒዘዮ ክኸይድ ወሲነ ኣለኹ ምኽንያቱ ንሱ'ውን ልክዕ ከማይ ንኤድ ሸራን ስለዝፈትዎ።
ድሕሪ'ታ ኮንሰርት ነቲ ደራፊ ኣብ ድሕሪ መድረኽ ክረኽቦ ምዃነይ ሓሳቡ ጥራይ ልበይ ይሃርም ኣሎ። ብዛዕባ ናይ ደርፊ ጉዕዝኡ፡ ብፍላይ ድማ ቃላት ደርፊ ብኸመይ ከም ዝጽሕፎም ክሓቶ ደልየ ኣለኹ።
ኣብዚ እዋን'ዚ መንእሰያት ካብ ቀደም ንላዕሊ ውሑድ ከም ዘንብቡ ዝሕብሩ ጸብጻባት ምስማዕ ኣዝዩ ዘሻቕል እዩ። ናይ'ዚ ቀንዲ ምኽንያት ማሕበራዊ መራኸቢታትን ናይ ቪድዮ ጸወታታትን ንግዜ መንእሰያት ብብዝሒ ስለዝወስድዎ ንመጽሓፍ ዝኸውን ግዜ ኣይረኽቡን።
ምንባብ ንሓንጎል ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለዝኾነ መንእሰያት ደጊም ዘየንብቡ ምዃኖም ንናይ ምጽሓፍን ምንባብን ክእለቶም ክጎድኦ ይኽእል። ብዘይ ምንባብ ሓድሽ ቃላት ኣይትመሃርን፡ ናይ ምሕሳብ ክእለትካ'ውን ኣይዓብን።
ነዚ ንምፍታሕ ወለድን መምህራንን ንቆልዑ ካብ ንእስነቶም ናይ ምንባብ ልምዲ ከስርጹሎም ኣለዎም። ቤት ትምህርቲ'ውን ማራኺ ዝኾኑ መጽሓፍትን ናይ ምንባብ ፕሮግራማትን ብምቕራብ ንተማሃሮ ደስ ክብሎም ክገብሩ ይኽእሉ።
1 ጥሪ: ሓድሽ ዓመት ኣትዩ! ንሎሚ ዓመት ክልተ ዕላማ ኣንቢረ ኣለኹ፡ ዝያዳ ምንባብን ምጽሓፍን። ሎሚ ሓንቲ ሓዳስ መጽሓፍ ጀሚረ ኣለኹ። ስማ "ናይ ሰላም ዛንታ" ይበሃል። ኣብ ምሸት ድማ ንዓሰርተ ደቓይቕ ስምዒተይ ጽሒፈ።
2 ጥሪ: ሎሚ 30 ገጻት ኣንቢበ። እታ መጽሓፍ ኣዝያ ማራኺት'ያ! ድሕሪ ምንባበይ ብዛዕባ'ታ ዛንታ ሓጺር ጽሑፍ ጽሒፈ። ምጽሓፍ ሓሳበይ ክእክብ ይሕግዘኒ ኣሎ።
3 ጥሪ: ሎሚ ቁሩብ ደኺመ ነይረ ግና ዕላማይ ስለዘየቋረጽኩ ውሑድ'ኳ እንተኾነ 15 ገጻት ኣንቢበ። ኣብ ምሸት ድማ ንመሓዛይ ደብዳበ ጽሒፈላ። ምጽሓፍ ባህ ይብለኒ ኣሎ።
4 ጥሪ: ሎሚ ብዙሕ ኣንቢበ ኣዝየ'ውን ተሓጒሰ። እታ መጽሓፍ ኣብ ምውዳእ ቀሪባ ኣላ። ብዛዕባ ሓድሽ ዓመት ዕላማታተይ ሓጺር ጽሑፍ'ውን ጽሒፈ። ብርግጽ ምንባብን ምጽሓፍን ንኣእምሮይ ጽቡቕ ይገብረለይ ኣሎ!።
ኵሉ ሰብ ብመወዓውዒ ይጽሎ እዩ ኣነ'ውን ካብ'ዚ ፍልይ ኣይኮንኩን። ይኹን ደኣ'ምበር ናይ ሕጂ ኣገዳስነት ዝረኽቡ ነገራት ጥራይ ክገዝእ እፈትን። ኵሉ ግዜ ናይ ዝዓበየ ብራንድ ወይ ዝሰደደ ነገር ክገዝእ ኣይፈትንን ምኽንያቱ ዋጋኡ ክቡር ስለዝኾነን ንዓይ'ውን ኣድላዪ ስለዘይኮነን።
ቅድሚ ቁሩብ ግዜ ኣብ ኢንስታግራም ሓደ ህቡብ ሰብ ሓድሽ ናይ ኤርፖድ ክጥቀም ምስ ርኣኹ ብድንገት ክገዝኦ ተደልየ። ኵሉ መሓዛታተይ'ውን ስለዘለዎም ኣነ'ውን ክህልወኒ ከም ዘለዎ ተሰማዓኒ። ግና ድሕሪ ምሕሳብ ናተይ ናይ ምስማዕ መሳርሒ ጽቡቕ ከም ዝሰርሕ ስለዝፈለጥኩ ኣይገዛእኩዎን።
ናይ ግዢ ጸቕጢ ኣብ መንእሰያት ብዙሕ ምኽንያታት ኣለዎ። ቀዳማይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዓቢ ተራ ይጻወቱ። ኣብ ኢንስታግራም፡ ቲክቶክን ዩቱብን ህቡባት ሰባት ሓድሽ ክዳን፡ ናይ ኤልክትሮኒክ ኣቕሓን ካልእን ክርእዩ ከለው መንእሰያት ከምኦም ክኾኑ ይደልዩ። ካልኣይ ናይ ኣዕሩኽ ጸቕጢ ዓቢ ተራ ኣለዎ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ኵሉ መሓዛኻ ሓድሽ ተሌፎን ወይ ብራንድ ክዳን ምስ ዝህልዎ ንስኻ'ውን ክህልወካ ትደልይ።
ሳልሳይ ናይ መወዓውዒ ኩባንያታት ንመንእሰያት ከም ዒላማ ብምግባር ብዙሕ ገንዘብ ኣብ ናይ ኢንተርነት መወዓውዒ ይወፍሩ። ነዚ ንምቅላስ መንእሰያት ናይ ባዕሎም ውሳነ ክወስዱ ክመሃሩ ኣለዎም። ወለዲ'ውን ንደቆም ብዛዕባ ገንዘብ ኣተሓሕዛ ክምህርዎም ኣገዳሲ እዩ። ሓደ ነገር ስለዝደለኻ ኣይኮነን ክትገዝኦ ዘለካ። ቅድሚ ምግዛእ "ብሓቂ ድዩ ዘድልየኒ?" ኢልካ ምሕሳብ ኣገዳሲ እዩ።